ሓፂር ታሪኽ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን
        “ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቅዕ ስለዝኾነት፥ ኣብ ምድረበዳ ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጕድጓድ ምድርን ኰለል በሉ።” ዕብ. 11፥38። ብርግፅ ዓለም ንእገለ ትግባእ ንእገለ ኣይትግባእን ትባሃል ኣይኮነትን። ቅድሳን መነንቲ ግና ባዕሎም ንዓለም ኣይንደልየክን ስለዝበልዋ ዓለም ኣይተገበአቶምን ተባሂሎም። ኩሉ ገዲፎም ንዓለም ምንባር እንዳኸኣሉ ዓለም ንዒቖም መንበሪኦም ኣብ እምባታትን በዓቲታትን ጌሮም። ኩሉ ገዲፎም ምእንቲ ሰማያዊ ፍቕሪ መከራ ተቐቢሎም። “ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፥ ብመጋዝ ተቘረጹ፥ ተሰይፎም ሞቱ፥ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፥ ሰኣኑ፥ ጸበቦም፥ ሓሳረ መከራ ጸገቡ” ዕብ. 11፥37
        ፈታውየይ! ንምዃኑ ቅዱሳን ኣቦታት ዝሞቐ ገዝኦም ገዲፎም ኣብ ዱር ኣብ ጫካ ምስ ኣራዊት ምንባር ምምራፆም ከም ዕሽነት ’ዶ ይቑፀር ይኸውን? ወይስ ፍልጠት ንኢስዎም ይመስለካ? ኣይኮነን። በቲ ናይ ሳይነስ ዓለም ትምህርቲ ተማሂሮም ዲፕሎማ፣ ዲግሪ ማስትሬት ዝወድኡ ዱክትሬት እውን ሒዞም ናብ ገዳም ዝኣተው ብዙሓት እዮም። እዞም ቅዱሳን እዚኦም ኣብ ዓለም እናሃለው ብዙሕ ነገር እንተነበሮም እኳ እቲ ዝበልፅ ሰማያዊ ፍቕሪ ደሊዮም ኩሉ ሓዲጎም ናብ ምናኔ ኣተው።
        “ኣንቱም ዝሰዓብኩሙኒ፥ ወዲ ሰብ በታ ሓዳስ ዘመን ኣብ ዙፋን ክብሩ ዚቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ነገደ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ማቴ. 19፥28
        ፈታውየይ! ናብራ ሕይወት ገድሊ ቅዱሳን ገዳማውያን ፅብቕ ኣብነትን ኣርኣያን ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኹሉ ድማ እምነትና ንኽጥንክር ይረድአና። ምኽንያቱም ብእምነት ብርቱዕ ምዃን ዝከኣል ናይ እምነት ጀጋኑ ኣቦታትና ዝሰርሕዎ ኣብነት ብምግባር እዩ። እወ! ሕይወት ቅዱሳን ምፍላጥን ምርዳእን ንዓና እውን ካብ ናይ ይምሰል ወይ ራእዩለይ ናብራ ወፂእና ብትኽክል ዝተቐየረ ሕይወት ንክህልወና ይሕግዘና እዩ። ስለዝኾነ እውን ቅዱሳን በቢዕለቱ ስርሖም እናዘከርና ሕይወቶም ምግቢ ነፍስና ክንገብሮ ይግበኣና። ስለዚ ፍቱወይ በረከት ቅዱሳን ገዳማውያን ንምርካብ ካብ ሕይወቶም ተማሂርና ብርሃን ዝኾነ መንገዶም ንኽንክተል ናብ ታሪኾም ንስገር። “መንገዲ ጻድቃን ግን ኸም ብርሃን ወገግታ እያ” ምሳ. 4፥18
        ፈታውየይ! “ካብ ባሕሪ ብጭልፋ” ከምዝበሃል በዛ ቅንጣብ ወረቐት ናይ ክሎም ቅዱሳን መነንቲ ታሪኽ ምዝርዛር ዋላኳ እንተዘይተኻኣለ፤ ካብ ታሪኽ ቅዱሳን ባዕሎም ከም ሽምዓ መኺኾም ንዓና ብርሃን ዝኾንና ዓብዪ ኣቦ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ታሪኽ ኣሕፂርና ንርኣዮ።
        ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ መጀመርታ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ሕዳር 26/ 245 ዓ.ም ካብ ኣብኡ ቅዱስ ሚናጦስን ካብ ኣዲኡ ቅድስቲ ማርያም ሰናይት ኣብ ጢሮስ ግሪክ ተወሊዱ። ናይ መጀመርያ ሽሙ ፍሬምናጦስ ይበሃል ነበረ።
        ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ሜሮጵዮስ ዝተባሃለ ነጋዴ /ፈላስፋ/ ብእግዚኣብሔር ፍቓድ ናብ ሃገርና ሒዝዎ መፀ። ኤድስዮስ ዝተባሃለ ሓቢርዎም ምስኣቶም ከምዝንበረ ይፍለጥ እዩ። እዞም ክልተ ሰገናት ኣኽቲሉ ዝመጸ ሜሮጵዮስ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ይነብሩ ዝነበሩ ሰባት ብዘብጽሕሉ ሓደጋ ከምዝሞተ ታሪኽ ይነግረና። ፍሬምናጦስን ኤድስዮስን ግና በቲ ጊዜ ኣብ ኣኽሱም ንጉሥ ዝነበረ ንጉሥ ታዜር ኮይኖም ዓበዩ። እቲ ንጉሥ እውን ብኣእምሮ ምብሳሎም ሪኡ ንፍሬምናጦስ ኣማኻሪኦም ንኤድስዮስ ድማ ሓሽከር ገይሩ ሾሞም። ካብኡ ንዳሓር ንጉሥ ታዜር ካብዛ ዓለም ብሞት ምስተፈለየ ናብ ዝደልይዎ ንኽኸዱ ነጻ ስለዝተለቐቑ ኤድስዮስ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ከደ። ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ግና ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝቢ ሓዲገ ናብ ሃገረይ ኣይምለስን ብምባል ንዓና ኣፍቂሩ ከምዝተረፈ ታሪኽ የረድአና። ፍቱው ሓወይ! ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ቅዱሳን ልቢ ዝትንክፍ ፍቕሪ እዩ።
        ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ስርዓተ ንስሃ፣ ጥምቀት፣ ቅዳሴን ቅዱስ ቁርባንን አገልግሎት ዝፍፅም ጳጳስ ስለዘይነበረ እዚ ፀገም ዝረኣዩ ነገሥታት ኢዛናን ሳይዛናን ንኣቦና ኣቡነ ሰላማ ጵጵስና ንኸምፅእ ናብ ግብፂ ለኣኽዎ። ኣቦና ናብ ግብፂ ብምኻድ ኩሎም ስርዓታት ብምምሃር ብቅዱስ ኣትናትዮስ ኣንብሮተ ኢድ “ኤጵስ ቆጶስ ዘኣክሱም ወዘኩሉ ኢትዮጵያ” ተባሂሉ ጵጵስና ተቐበለ። ናብ ሃገርና ድሕሪ ምምላሱ መጀመርታ ንነገሥታት ኢዛናን ሳይዛና ኣጥሚቑን ኣቑሪቡን ኣብርሃን ኣፅብሃን ብምባል ሽም ክርስትና ሃቦም። ብምቕፃል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተዛዋወረ ብምምሃር ኩሉ ስርዓታት ፈፀሞ። በዚ ዝተለዓለ ድማ ኣቡነ ሰላማ ፀልማት ኣወጊዱ ብርሃን ዝገለፀ ዓብዪ ናይ ምድሪ ሓበሻ ሓዋርያ እዩ። ቅንዕቲ ሃይማኖት ኣምሂሩ ፀልማት ቀንጢጡ ብርሃን ብምግባሩ “ገላፂ ብርሃን ሰላማ” ተባሂሉ እዩ። ናይ ወርሒ ሓምለ ስንክሳር።
        ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መላእ ምድሪ ሓበሻ በኪደተ እግሩ መንጌል ከም ዘመሀረን ስፍሪ ቁፅሪ ዘይብሎም ድውያን ፈዊሱ ምውታት እውን ከም ዘልዐለ መፅሓፈ ገድሉ የረድአና። ኣብ ዝተፋላለዩ ባዕድ ኣምልኾ ዘምልኽ ዝነበረ ህዝቢ እውን በቲ ጥዑም ስብከቱ እግዚኣብሔር ንኽኣምኑ ጌርዎም እዩ። ከምኡ ’ውን ብጸሎቱ ኣጋንንቲ ፀራሪጉ ካብ ሃገርና ብምውፃእ ሰላም ዝሃበና ናይ ሰላም ኣቦ እዩ። “ሰላማ” ማለት “ሰብን እግዚኣብሔርን ዘተዓርቕ” ማለት እዩ።
        ፍቱው ሓወይ! ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ብ350 ዓ.ም ክርስትና ናይ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ኮይኑ ንኽእወጅ ጌሩ እዩ። “ኣቡነ” /ኣቦና/ ዝብል ማዕርግ ንመጀመርያ ግዜ ዝተወሃቦ ንዕኡ እዩ። ጻዲቕ ኣቦና ብዕድመን ብጸጋን ዓብዪ ኣቦ ብምዃኑ ብድሕሪኡ ንዝመፁ ንብዙሓት ቅዱሳን መምህሮምን ኣብኦምን እዩ። ነዚ እዩ ድማ ኣቦና ቅዱስ ያሬድ “ዝንቱ ብእሲ መምህርነ ዘተፈነወ ውስተ ምድርነ ይከሰተ ብርሃነ” ብምባል ዘመስገኖ። ብርሃን ንኽገልፅ ናብ ሃገርና ዝተላኣኸ መምህርና ማለቱ እዩ።
       
ፈታዊየይ! ኣብ ቆልዕኡ ጊዜ ዝመፀ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ናይ ሃገርና /ምድሪ ሓበሻ/ ፍቕሪ ኣገዲድዎ ክሳብ ዕለተ ዕርፍቱ ኣብ ሃገርና ዝነበረ እንትኾን ኣብቲ ጊዜ እቲ ካብ ዝሰርሖም ዝተፋላለዩ ዘድንቑ ስራሕሥ ብውሕዱ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
- ወንጌል ዘምህሩ፣ ዘጥምቑ፣ ዘቕርቡ ካህናትን ዲያቆናትን ሾይሙ።
- ንምእመናን መኻሪ ናይ ንስሃ ኣቦ ንክህልዎም ጌሩ።
- ምስ ነገሥታት ኣብርሃን ኣፅብሃን ብምዃን ኣብያተ ክርስቲያናት ሃኒፆም።
- ቅዱሳን መፃሕፍቲ ካብ ሰርሱት፣ ኢብራይስጥን ግሪክን ናብ ቋንቋ ግእዝ ንኽትርጉሙ ጌሩ።
- ኣቀማምጣ ፊደል ሳባውያን ብምስትኽኻል ካብ ፀጋም ናብ የማን ብምፅሓፍን ናይ ምንባብ መንገዲ ብምምሃርን ብዙሕ ውዕለታ ዝወዓለልና ዓብዪ ኣቦ እዩ።
        እዚ ዓብዪ ኣቦ ናይ ወንጌል ሓረስታይ ኣብ ሃገርና ናይ ወንጌል ፋና ዘብረሀ፣ መንበረ ጵጵስና ክንረክብ ዝገበረ፣ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝጀመረልና ናይ ሃገርና ቀዳማይ ሓዋርያ እዩ። ብምኻኑ ኩሉ ግዜ ክንሓስቦን በዓሉ ክነኽብሮን ይግበአና። እቲ ዘሕዝን ግና ን 150 ዓመታት ከም ሽምዓ መኺኹ ንዓና ብርሃን ዝሃበና ዓብዪ ባዓል ውዕለታ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ንመብዛሕትና ጋሻ እዩ። ሽሙን ክብረ በዓሉን ዝፈልጦ ውሱን እዩ። ኣብ ዘመን መለወጢ ዓውደ ኣዋርሕ እኳ እንትንርኢ ናይ ክሎም ቅዱሳን ሽም ብዝርዝር እንትግለፅ ናይዚ ጻዲቕ ሽም ግን ኣይጥቀስን። ንክብረ በዓሉ ዝግባእ ትኹረት ዘይምሃብና እውን ብታሪኽ ኮነ ብእግዚኣብሔር ከውቅሰና እዩ።
        ቤተ-ክርስቲያን ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝርከብ ኣብ ትግራይ ውሽጢ እምበር ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ሃገርና ዳርጋ የለን ምባል ይከኣል። ካብኡ ቀፂሎም /ብድሕሪኡ/ ዝመፁ ቅዱሳን ቤተክርስቲያኖም ሰሪሕናን በዓሎም ኣኽቢርናን በረከቶም ከምዝረኸብና ኩሉ ካብ እዚ ጻድቕ እዚ ግን ክንረኽቦ ዝነበረና በረከት ግና ውዕለቱ ብምርሳዕና ምኽንያት ከይረኸብናዮ ተሪፉና እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኾነ ኣብ ዓበይትታት ከተማታት ብኣቡነ ሰላማ ዝፅዋዕ ቤተክርስቲያን ኣይነርክብን።
        ኣብ ትግራይ ውሽጢ ብሽሞም ዝተገደሙ ክልተ ጥንታውያን ገዳማት እንተሃለዉ እኳ ዝፈልጦምን ዝሳለሞምን ግና ውሑድ ሰብ ጥራሕ እዩ። እቲ ሓደ ገዳም ክቡር ዓፅሞም ዝዓረፎ ኣብ ከባቢ ተምቤን ዝርከብ እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ ከባቢ ኣኽሱም ዝርከብ ንሓምሳ ዓመት ተቀሚጦም ዝጸልዩሉን ድንቂ ተኣምር ዝሰርሕሉን ገዳም ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ማይ ፀዓዳ እዩ።
        ጻዲቑ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ሕዳር 26 ዝተወለድሉ፣ ታሕሳስ 18 ድማ ብርሃን ዝገለፀሉ /ጵጵስና ዝተቐበለሉ/ ከምኡ እውን ሓምለ 26 በዓለ ዕርፍቱ እዩ። ስለዝኾነ እውን ክቡር በዓሉ ብምዝካር ሽምዓ ኣብሪህና ነኽብሮ።
        እግዚኣብሔር ንኽሎም ቅዱሳን ሽሞም ፀዊዕና ፀበል ጸዲቕ /ዝክር/ ጌርና በረከት ንኽንቅበል ፈቒዱልና እዩ። ሎሚ ኣብ ዓለምና ዝኹሉ ሓጥያት እናተሰረሐ ዓለም ውዒላ ምሕዳራ ናይ እግዚኣብሔር ለውሃት፣ ናይዞም ቅዱሳን ጸሎትን ልመናን እዩ እሞ ዝክሮም እናዘከርና በረከት ንቀበል። “ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንተ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ” 2ኛነገ. 20፥6
©     Aba Gebremedhn Zeselama 2009 E.c