መንፈሳዊ ላቦራቶሪ /ግልጋሎት ምኽሪ/ ዘለዎ ጥቕሚ
        ንምኻኑ መንፈሳዊ ላቦራቶሪ ማለት እንታይ ማለት እዩ? መንፈሳዊ ላቦራቶሪ ማለት መንፈሳዊ ህይወትና እንታይ ከም ዝመስል ውሽጥና እንርእየሉ ናይ ምኽሪ ግልጋሎት እዩ። እዚ መንፈሳዊ ላቦራቶሪ ናይ ምኽሪ ግልጋሎት ኣብ ሞንጎ መኻሪን ተመካሪን ብዝህሉ ናይ ሕቶን መልስን ናይ ግሊ ምይይጥ ነፍሲ ዘለዋ ጥንካሬኣን ድኽመታን ንምርኣይ የኽእል። ከምቲ ንስጋና በቢጊዜኡ ምግቢ እንምገባ ኩሉ ከምኡ እውን ንነፍስና በቢእዋኑ ናይ ነፍሲ ምግቢ ምምጋብ የድልያ እዩ። ስለዚ ናይ ነፍስና ምግቢ ዝኾኑ ከም ፆም፣ ፀሎት፣ ስግደት ብኣግባቡ ነካይድ ’ዶ? ቅዳሴ ነቕድስ ’ዶ? ንስሃ ኣቲና ኸ ንነፍስና ቅዱስ ቁርባን እንምግባ ’ዶ? ከምኡ ’ውን ህይወትና ካብ ሓጥያት ርሒቓ ዝተፋላለዩ ናይ ፅድቂ ስራሕቲ ብምስራሕ ክንደየናይ እያ ብክርስቲያናዊ ስነ-ምግባር ተሃኒፃ? እዚኦምን ካልኦትን ጠቓሚ ናይ ምኽሪ ሓሳባት ብምልዓል ኣፅጋቢ ምኽሪ ብምርካብ እዚ መንፈሳዊ ላቦራቶሪ እዚ ህይወትና እንልውጠሉ ዝዓብዪ ሜላ እዩ።
        ኣብ ሳይነስ ዓለም ናይ ላቦራቶሪ መሳርሒ ተጠቒምና ኣብ ውሽጣዊ ኣካልና ዘለዉ ፀገማት ክንፈልጦም ንኽእል ኢና። ኮይኑ ግና ኣብ ውሽጢ ነፍስና ዘሎ ፀገም ግን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን። ብዙሕ ጊዜ ሰባት ዓብዪ ፀገምና ነፍሲ እትባሃል ዓባይ ህይወት ተሸኪምና ናይ ነፍስና ፀገም ዘይምፍላጥናን ንምፍላጥ ዘይምፅዓርናን እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ዝባሃል ፍጡር ነፍስን ስጋን ዝተባሃሉ ክልተ ኣካላት ተሸኪሙ ከምዝነብር ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ግና ሰብ ዓብዪ ክንክን ክግበር ዝርአ ንስጋ ጥራሕ እዩ። ስጋ ከይትጠሚ፣ ከይትሓምም፣ ካብኡ ሓሊፉ ንኸይትሞት ዝግበረላ ጥንቃቐ ዝለዓለ እዩ። ነፍሲ ግን ይጣዓማ ኣይጣዓማ ዝዝክራ የለን እንተተባሃለ ምግናን ኣይኸውንን።
        እቲ ሓቂ ግን ካብ ስጋ ንላዕሊ ነፍሲ ከይትጠሚ፣ ከይትሓምምን ከይትሞትን ዓብዪ ክንክን ዘድልያ ምኻኑ እዩ። ንምንታይ እንተተባሂሉ ክንነብር ዘለና ብእንጀራ ንስጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ብእግዚኣብሔር ቃል ንነፍስና እውን እዩ። እስኪ ኣምላኽና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ እዚ ቃል እዚ ንዘክሮ “ሰብ ብዅሉ ቃል አምላኽ እምበር ብእንጀራ ጥራሕ አይነብርን እዩ።” ሉቃ. 4፥4
        ብኻልእ ገፅ ክርሰቶስ “ሕይወት ካብ መብልዕ ሰብነት ከኣ ካብ ክዳንዶ ኣይበልጽን እዩ?” ብምባል ኣሚሁሩና። ማቴ. 6፥25 ። እቲ ዘሕዝን ግን መብዛሕትና ዝጠመየትን ዝሓመመትን ወይ ድማ ዝሞተት ነፍሲ ኢና ተሸኪምና ንነብር። ምናልባት ሙማት ማለት መቓብር ምእታው ጥራሕ ዝመስለና እንተኾይኑ ተሳሓሒተና ኢና። ምኽንያቱ ብጠጠውካ ሙማት ‘ውን ኣሎ እዩ። ነዚ ሓሳብ ዘጉልህ ካብ መፅሓፍ ቅዱስ ሓደ ኣብነት ምቕራብ ይከኣል እዩ። ኣምላኽና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንሓደ “ሰዓበኒ ደኣ” እንትብሎ እሱ ከዓ “ጎይታይ ከይደ ንኣቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ!” በሎ ‘ሞ ኢየሱስ ክርስቶስ ግና “ምውታንሲ ንምውታኖም ይቕበርዎም ሕደጎም” ብምባል ነይሩ መልሲ ዝሃቦ። ማቴ. 8፥22
        እዚ ናይ ጎይታና ምስላዊ ዘረባ ትርጉም ኣለዎ። ከም ዝፍለጥ ንሓደ ዝሞተ ሰብ ካሊእ ዝሞተ ሰብ ተላዒሉ ክቐብሮ ኣይኽእልን። ናይ ክርስቶስ አዘራርባ እውን ከምኡ ክብል ደልዩ አይኮነን። መልእኽቱ ግልፂ እዩ። “ሰዓበኒ” እንትብሎ ናይ ህይወት ቃል ተቐቢሉ ነፍሱ ካብ ሞት ንኸድሕና እዩ። “ምውታንሲ ንምውታኖም ይቕበርዎም ሕደጎም” ክብሎ ከሎ ድማ ንዝሞተ ኣቦኻ እቶም ካብ እግዚኣብሔር ቃል ርሒቆም ዝነብሩ ሰባት ንሳቶም ይቕበርዎ ማለቱ እዩ። ኣብዚ ልቢ ክንብሎ ዘለና ናይ እግዚኣብሔር ቃል ከይተመገቡ (ካብ እግዚኣብሔር ቃል ርሒቆም ዝነብሩ) ክርሰቶስ ምዉታን ኢልዎም። ብርግፅ እዞም ሰባት ናብ መቓብር ዝወረዱ ምዉታን ኣይነበሩን። ነገር ግን ነፍሶም እትደልዮ ስኢና ብነፍሶም ብጠጠዎም ዝሞቱ ስለዝነበሩ ዋላኳ ብስጋ እንተተንቃሳቀሱ ክርስቶስ ግን ምዉታን ኢልዎም።
        እወ! ሰብ ብህይወት ኣሎ ከብሃል ዝኽእል ነፍሱ ዕለት ዕለት ናይ እግዚኣብሔር ቃል እናመገባ ምንባር እንትኽእል ጥራሕ እዩ። ልክዕ ምስ ጉንዲ ዘይተጣበቐ ጨንፈር ፍረ ከምዘይህብ ኩሉ ነፍሲ እውን ምስ ፈጣሪኣ ተጣቢቓ ናይ ነፍሲ ምግቢ እንተዘይተመጊባ ምድራቓ ኣይተርፍን። ምንም እኳ ስጋና በሊዓ ሰትያ ዘንፀባርቕ ክዳን ተከዲና እንተፀበቐት እዚ ነገር ንነፍሲ ግን ከፅብቓ አይኽእልን። ነፍስና ምስ እግዚኣብሔር ዘለዋ ርክብ እንተዘይፀቢቑ ኩሉ ነገር ዝተባላሸወ እምበር ፅቡቕ ኣይኸውንን። ምናልባት ውሽጣዊ ነፍስና ጎዲእና ደጋዊ ኣካልና ኣፅቢቕና እንተተንቀሳቐስና ፅቡቕ ዘለና ኮይኑ ዝስመዐና እንተኮይኑ ዕሽነት እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ከምዚ ይብለና “ብወፃኢ ፅብቕ ኮይኖም ዚረኣዩ፥ ውሽጦም ግን ኣዕፅምቲ ምውታትን፥ ሙሽሙሽ ነገርን ዝመልኡ ዝተለመጹ መቓብራት እትመስሉ ወይለኹም!” ማቴ. 23፥27
        ብምኻኑ ናይ ነፍስና ድኽመት ንክንፈልጥ ፈሊጥና እውን መፍትሒ ንምርካብ እዚ “ሰላማ መንፈሳዊ ላቦራቶሪ” /ናይ ምኽሪ ግልጋሎት/ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ብዙሓት በዚ መንፈሳዊ ላቦራቶሪ ናይ ምኽሪ ግልጋሎት ተጠቀምቲ ብምዃን ንፀገሞም መፍትሒ ረኺቦሙሉ እዮም። ንስኹም እውን ብዝተፋላለየ ምኽንያት ተፀጊምኩም ኣብ ጭንቀት እትነብሩ እንተኾይንኩም ካብ ጭንቀትኩም ተላቒቅኩም ሰላምን ዕርፍትን ንምርካብ ናይዚ “ሰላማ መንፈሳዊ ላቦራቶሪ” ናይ ምኽሪ ግልጋሎት ሕጂ ተጠቃማይ ይኹኑ። ስጋና በርቲዓ ነፍስና እንተተዳኺማ ምጭናቕና ግድን ክኸውን እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ናይ ጭንቀት መልዓሊኡ ናይ ነፍሲ ምድኻም ስለዝኾነ። ከምኡ እውን ነፍሲ እንተበርቲዓን እትደልዮ ረኺባ ካብ ሕማማ እንተተፈዊሳን ሰላምን ዕርፍትን ምርካብ ድማ ዘየጠራጥር እዩ።
        ስለዚ ኣብ “ሰላማ መንፈሳዊ ላቦራቶሪ” ናይ ምኽሪ ግልጋሎት ኣባል ንምኻን እትደልዩ እዚ ናይ መመዝገቢ ቅጥዒ (Registration form) ብምምላእ ተመዝገቡ። ካብኡ ንዳሓር ድማ ብስልኪ፣ ብስካይፒ ወይ ብኢሜይል ወዘተ. ብኣድራሻይ ብምርኻብ ከም እግዚኣብሔር ፍቓድ ንሕቶታትኩም መልስን መፍትሕን ክትረኹብሉ ኢኹም ኢለ ይኣምን።
ስልክ ቁጥር   ፦ +251979408418
ኤሜይል     ፦ abagebremedhnzeselama26@gmail.com
ስካይፒ      ፦ tesfa26
©     Aba Gebremedhn Zeselama 2009 E.c