እዚ ዌብ ሳይት /መርበብ ሓበሬታ/ አብ ምንታይ ዙርያ አገልግሎት ይህብ?
        በዚ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ አምላኽነቱ ክብሪ፣ ናይ አዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸጋኣ፣ ክብራን ኣማላድነታን ብሰፊሑ ዝግለፀሉ እዩ። ከምኡ እውን ክብሪ ቅዱሳን መላእኽቲ፣ ክብሪ ቅዱሳን ጻድቃን፣ ክብሪ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንን ቅዱስ ታቦትን ወዘተ. ዝግለፀሉ እዩ። እዚ እውን ክብሮም ከምዚ ዝስዕብ ኣሕፂርካ ምርኣይ ይከኣል።
        ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲ ዘይኮነስ ተማላዲ/ተለማኒ/ ፈራዲ ኣምላኽ እዩ። ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መጀመርታ እግዚኣብሔር እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ቃል ብቕድሙ ነበረ፥ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ” ዮሓ. 1፥1። ካብዚ ብተወሳኺ ወንጌላዊ ዮሓንስ “እቲ ቃል ሰብ ኮነ፥ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ምሳና ነበረ” ዮሓ. 1፥14 ይብለና።
        እወ! ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋን መለኮትን ተዋሂዱ ዝመፀ ኣምላኽ እዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ንሱ ሓደ እኳ ዝኾነ ነገር የለን። ኣምላኽና ኩሉ ገንዘቡ ዝኾነ እፍ ኢሉ እስትንፋስ ዝሃበ፣ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምፀአና ዓለም ኣሕሊፉ ዝገዝእ ፈጣሪ እዩ። “ብኡኡ ኹሉ ተፈጠረ፥ ካብቲ ዝተፈጠረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብኡኡ ሓንቲ እኳ ዝተፈጠረ የልቦን። ሕይወት ኣብኡ ነበረት” ኢሉና እዩ። ዮሓ. 1፥3-4
        መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ምንም እኳ ብኣወላልዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ቀዲምዎ እንተተወለደ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣምላኽነቱ ቀዲምዎ ከምዝነበረን ካብኡ ብዝበለፀ ከምዝብርትዕን ዝተኸበረ ምኻኑን ኣነፂሩ መስኪርሉ እዩ። “ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣሎኹ፥ እቲ ድኅረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይኅይል እዩ፥ ኣነስ ኣሣእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፥ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ” ማቴ. 3፥11
        ክወርድ እዩ ክውለድ እዩ ኢሎም ትንቢት ዝተንበዩ ነቢያት እውን ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እቲ ዝውለድ ህፃን (ኢየሱስ ክርስቶስ) “ኣምላኽ” ምኻኑ ገና ቅድሚ ምውላዱ ኣቕዲሞም ብግሎፂ ኣቕሚጦሞ እዮም። “ሕፃን ተወሊዱልና፥ ወዲ ተዋሂቡና እዩ፥ ንሱ ኸኣ ገዛኢና ክኸውን እዩ። ንሱ ግሩም መኻሪ፥ ብርቱዕ ኣምላኽ፥ ዘለዓለማዊ ኣቦ፥ መስፍን ሰላም ተባሂሉ ኺጽዋዕ እዩ” ኢሳ. 9፥6
        ስለዚ ኣቦ ፈጣሪ፣ ወልድ ክርስቶስ ኸኣ ከም ፍጡር ጌርካ ኣሽንካይ ’ዶ ክዝረብ ክሕሰብ እውን ኣይግባእን። ኣብ እግሪ ሊቃውንት ኣቦታት ኮይና ምሥጢረ ሥላሴ ኣመሳጢርና ክንምሃር ኣለና። ኣቦ ወላዲ፣ ወልድ ተወላዲ፣ መንፈስ ቅዱስ ሰራፂ እንትንብል ዝበላለፁ ኮይኖም አይኮኑን። ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይባሃሉን ሓደ እዮም። ብመለኮት፣ ብስልጣን፣ ብኣገዛዝኣ፣ ብባህሪን ብፍቓድን ሓደ ስለዝኾኑ ብዘይ ምፍልላይ ኣምላኽነቶም ክንቅበል ይግባአና። “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዮሓ. 10፥30
        ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ሓደ ቅዱስ ፊሊጶስ ኣቦ ካሊእ ክርሰቶስውን ካሊእ ገይሩ ብምሕሳቡ ንክርስቶስ ከምዚ ብምባል ጠይቕዎ ነይሩ “ፊሊጶስ፦ ጎይታይ ነቦ ደኣ ኣርእየና እምበር ይኣኽለና በሎ” ዮሓ. 14፥8 እሞ ኸ ኣምላኽና ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ዝገርም መልሲ ድማ ንመልከቶ “ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በሎ ፊሊጶስ እዚ ክንድዚ ዚኣክል ጊዜ ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ? እቲ ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቦ ኣርእየና ትብል ኣሎኻ? ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘሎኹ ኣቦ እውን ኣባይ ከምዘሎ ኣይትኣምንን ኢኻ?” ዮሓ. 14፥9-10
        እወ! ዘይምእማን እንተኾይኑ እምበር እዚ ቅኑዕ መልእኽቲ ንኹላትና መብራህርሂ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣምላኽና ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ’ውን ባዕሉ ፈራዲ ኣምላኽ ምኻኑ ከምዚ ኢሉና እዩ “እንሆ፥ ቐልጠፈ እመጽእ ኣሎኹ፥ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ። ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳኅራይን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ” ራእ. 22፥12-13
        “ሰንበት ታዓብይ እምኩሉ ዕለት፣ ማርያም ትዓቢ እምኩሉ ፍጥረት” ተባሂሉ ከም ዝተፃሓፈ ኩሉ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትሕቲ ፈጣሪ ልዕሊ ፍጡራት እያ። ካብ ኩሎም ፍጥረታት ብኽብሪ ብጸጋ ዝበልፃ የለን። ኪሩቤል ሱራፌል ኽርእይዎ ዘይኽእሉ መለኮታዊ ሓዊ ድንግል ማርያም ግና ኣብ ማኅፀና ተሸኪማ ብድንግልና ጠኒሳ ፈጣሪኣ ዝወለደት ኣዶ ክብራን ጸጋኣን እንታይ ንበሎ? ብናትና ኣንደበት ከ ከመይ ኢሉ ክግለፅ ይኽእል?
        ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ “እንሆ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኽብሉኒ እዮም” ሉቃ. 1፥48 ኢላ ዝተዛረበት አዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንሕና እውን ትውልዲ ኢናሞ ብፅእቲ፣ ክብርቲ፣ ቅድስትን ንጽህተ ንጹሃንን ኢልና ክነኽብራ ይግብአና። ናይ ኣዶነት ፍቕራ፣ ፀጋ በረከታ ምስጢሩ እተረድኡ ቅዱሳን ኣቦታት ከም ቅዱስ ኤፍሬም፣ ቅዱስ ባስልዮስ፣ ኣባ ሕርያቆስን ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ወዘተ. ናይ ኣዴና ድንግል ማርያም ፍቕሪ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ምስኮኖም “ብምንኣስ እምበር ብምብዛሕ ኣይኮነን” ብምባል ፍቕራ ገሊፆምዎ እዮም።
        ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝቐውም ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል እኳ ክብራን ጸጋኣን ፈሊጡ ብፉሉይ ሰላምታ “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፥ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፤ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ በላ።” ሉቃ. 1፥28። እወ! መንፈስ ቅዱስ ናብኣ ስለዝመፀን ናይ ልኡል ሓይሊ ኣብኣ ስለዝሓደረን ወዲ ከይፈለጠት ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ምውላዳ ክብራን ጸጋኣን ዝመጣጠኖ ከምዘየለ ብቑዕ መረዳእታ እዩ።
        ክቡር መንበባይ! ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ዝበለና እግዚኣብሔር ኣዲኡ ንኽንፀልኣሉ ዝደሊ ይመስለካ? ንኣዶ ክርስቶስ ክብራ እናናኣኣስካ ንወዳ ግን ንፈትዎ ኢና ዝብልዎ ናይ ዕብደት ኣታሓሳስባ እንታይ ክበሃል ይኽእል? እስኪ ንሕሰብ! ንኣደይ ዝፀልእ ከመይ ኢሉ ንዓይ ፈታዊየይ ክኸውን ይኽእል? ፈጣሪኣ ዝወለደት ድንግል ማርያም ኣዴና ፈቲና ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ልዕሊ ኩሉ እንተነፍቅሮ ፍቕርና መልክዕ ይህልዎ። ኮይኑ ግና ድንግል ማርያም ንድሕሪት ጌርካ “ኢየሱስ ኢየሱስ፤ ጎይታ ጎይታ” ምባል ግና ናይ ጥዕና ኣይክኸውንን። “ጎይታይ! ጎይታይ! ዝብለኒ ኩሉ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ።” ማቴ. 7፥21
        ንምኻኑ አዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንክንፀልእ ዝገብረና መን እዩ? እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ሰይጣን ፀላኢና እዩ። ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ እቲ ኣራዊት ንመሕደሪኡ ክፃረፍ ኣፉ ከም ዝኸፈተ ዝብል ነንብብ። “ሽዑ ንኣምላኽ ኪጽረፍ፥ ንሱሙን ንማኅደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ከፈተ” ራእ. 13፥6። “መሕደሪኡ” ዝተበሃለት ድማ እግዚኣብሔር ዝቐደሳ አዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እያ። መዝ. 46፥4
        ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘይብሉ ህይወት እንታይ ዓይነት ናብራ እዩ? ካብ ፍቕራ ተፈሊኻን ርሒቕካን ብትዕቢት ምንባር እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ? ብትዕቢት ተመሊኦም ዝናዓቕዋን ዘሳደድዋን ትምክሕተኛታት ነገሥታት ፍፃሜኦም እንታይ ከም ዝኾነ ታሪኮም ኣይንፈልጦን ዲና? ንባዕሎም ጠፊኦም መንግሥቶም ’ውን ጠፊኡ። ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ “እቶም ዘይግዝኡኺ ሕዝብታትን መንግሥትታትን ግና ኪጠፍኡ እዮም” ኢሳ. 60፥12። እወ! ናይ ፍቕሪ ኣዶ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እንተኽበርናያ ንባዕልና ንኽበር እንተዘየኽቢርናዮ ድማ ምውራድናን ምንዓቕናን ዘይተርፍ እዩ። “እቶም ዝነዓቑኺ ዅሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኢሎም ክሰግዱልኪ እዮም” ኢሳ. 60፥14
        ብሓፈሽኡ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ፍቕሪ ዘይብሉ ጉዕዞ መልህቅ ከም ዘይብላ መርከብ እዩ። ናይ ኣዴና ፍቕሪ ዝጎደሎ ህይወት ጣዕሚ የብሉን። ኣብ ናብራና ኩሉ ሰላምን ፍቕርን ንኽህልወና ናይ ሰላምን ፍቕርን ኣዶ ስንቅና ትኹን። ዋሕስናን ጠበቓናን ’ውን ንግበራ። ዘይሕለፍ ብርቱዕ ማዕበል እንተኣጋጠመና እኳ ብናይ ኣዴና ረድኤት ተሓጊዝና ክንሓልፎ ንኽእል ኢና። ስለዝኾነ ’ውን ናይ ኣዴና ፍቕሪ ኣብ ልብና ፅላት ፂሕፍና ነቐምጦ።
        ስለዚ ንኣቦና ዮሴፍ “ማርያም ምውሳዳ አይትፍራህ” ማቴ. 1፥20። ንሓዋርያ ዮሓንስ እውን “እንሃ ኣዴኻ” ዮሓ. 19፥27 ከምዝተባሃሉ ኩሉ ድንግል ማርያም ኣብ ትሕቲ መስቀል ዝረኸብናያ ብርቂ ናይ ፍቕሪ ዉህብቶና ስለዝኾነት ኣዴና ብኽብሪ ብምውሳድ ኣደይ፣ ማእገረይ፣ መመኪሒተይ ኣማላዲተይ ኢኺ ንበላ።
        እወ! ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝቖሙ ንመልእኽቲ ዝፋጠኑ ናይ እግዚኣብሔር ክቡራት መገልገልቲ ስለዝኾኑ ዝግባእ ክብሪ ንሃቦም። ቅዱሳን መላእኽቲ ንደቂ ሰባት ሓለውትን ረዳእትን እዮም። ስለዝኾነ ’ውን ሓለወኦምን ረድኤቶምን ንኽበፅሐና ክነኽብሮምን ክንፈርሖምን ይግበአና። መፅሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል፦ “መልኣኽ እግዚኣብሔር፥ ኣብ ዙርያ እቶም ንአግዚኣብሔር ዝፈርሕዎ ይሰፍር፥ ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም” መዝ. 34፥7። ኣቦና ነቢይ ዳንኤል እውን ከምዚ ይብለና “ሚካኤል ሓደ ኻብቶም ሊቃነ መላእኽቲ፥ ኪሕግዘኒ መጸ” ዳን. 10፥13
        ካብዚ ብተወሳኺ ቅዱሳን መላእኽቲ ደቂ ሰባት ንኸይጠፍኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቆይሞም ምሕረት ዝልምኑ እዮም። “በቲ ዘመን እቲ ሚካኤል፥ እቲ ምእንቲ ሕዝብኻ እስራኤል ዚከላኸል ዓብዪ መስፍን፥ ክትንሥእ እዩ” ዳን. 12፥1። ስለዚ ቅዱሳን መላእኽቲ ካብ ቁጠዕኦም ንምውፃእን ሓለወኦምን ረድኤቶምን ንምርካብ ክንፈርሖምን ክንሰግደሎምን ይግበአና። “እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሰዶም መፁ። ሎጥ ኣብ ኣፍ ደገ ከተማ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ምስ ረኣዮም ድማ ኺቅበሎም ተንሠአ፥ ፍግም ኢሉ ኸኣ ሰገደ” ዘፍ. 19፥1
        ቅዱሳን መላእኽቲ ንደቂ ሰባት ንምሕላው ኮነ ንምርዳእ ዕርፍቲ ኣይፈልጡን። ሓለወኦም ድማ ሰብ ክፉእ ነገርን መቅዘፍቲን ከየጋጥሞ ምክልኻል እዩ። ኣብ ንኸዶ ኩሉ ካብ ሓደጋ ንክሕልውና እግዚኣብሔር ቅዱሳን መላእኽቲ ናባና ይእዘዙ እዮም። “እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፥ ስቓይውን ኣብ ቤትካ አይኪቐርብን እዩ። ኣብ እትኸዶ ኩሉ ኺሕልወኻ፥ እግዚኣብሔር ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ” መዝ. 91፥10-11። እወ! ሰብ ብዓይኑ ካብ ዝርእዮ ሓደጋ ጥራሕ እዩ ክከላኸል ዝፍትን። ቅዱሳን መላእኽቲ ግና ብዓይኒ ካብ ዝርአን ዘይርአን ሓደጋታት ኩሉ እዮም ዝከላኸሉልና።
        ክቡር መንበባይ! እግዚኣብሔር እውን ሰብ ድኹም ምዃኑ ፈሊጡ ሓላዊ መልኣኽ ጌሩሉ እዩ። ወዲ ሰብ ሓላዊ መልኣኽ ተዘይህልዎ ነይሩ ከመይ ኢሉ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ክኣቱ ምኻኣለ ነይሩ። ስለዝኾነ እውን ኣብ እንኸዶ መንገዲ ኩሉ እግዚአብሔር ሓላዊ መልኣኽ ጌሩልና እዩ። “ኣብ መገዲ ኺሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኼእትወካ፥ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ።” ዘጸ. 23፥20
        ቅዱሳን ጻድቃን ክነኽብሮምን ክንቅበሎምን እግዚኣብሔር ፍቓዱ እዩ። ንቅዱሳን ጻድቃን ምቕባል እኮ ንእግዚኣብሔር ምቕባል እዩ። ጎይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ እንተረጋግፀልና “ንኣኻትኩም ዝቕበል ንዓይ ይቕበል” ማቴ. 10፥40 ይብለና።
        ቅዱሳን ጻድቃን ሽሞም ፀዊዕና ብሽሞም ጸበል ጸዲቕ /ዝክር/ ጌርና ንድኻ ዝሑል ማይ እንተስቲና ዓስቢ /ዋጋ/ ከምእንረኽበሉ ብግልፂ ቃልኪዳን ሂቡና እዩ። “ንነቢዩ ብስም ነቢይ ዝቕበል ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፥ እቲ ንጻድቅ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወዲ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዜስቲ፥ ዓስቡ ከቶ ከምዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ማቴ. 10፥41-42። ካብዚ ብተወሳኺ ቅዱሳን ጻድቃን እንትነኽብሮምን እንትንልምኖምን ብጸሎቶም ይረድኡና እዮም። “ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ” ያዕ. 5፥16
        ርእስና ትሕት አቢልና “አነ ሓጥያተኛ እየ እሞ ንዓኻ የሐጊሶም ተጋድሎኦም ዝፈፀሙ ቅዱሳን ጻድቃን ብዝሃብካዮም ቃልኪዳን ይቕረ በለኒ” ኢልና እንተጸሊና ንዕኣቶም ክብል ፈጣሪና ይቕረ ይብለና እዩ። “እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ከተማ ሰዶም ኃምሳ ጻድቃን እንተረኺበስ፥ ንብዘላ እታ ኸተማ ምእንቶኦም ኢለ ኽምሕራ እየ በለ” ዘፍ. 18፥26። ኣቦና ኣብርሃም ምናልባት ኣብ ሰዶም ኃምሳ ጻድቃን እንተዘይተረኸቡ ካብኡ ዓስርተ እንተተረኺቦም ከ ኢሉ ጠይቕዎ ነይሩ። እሞ ኸ እግዚአብሔር ንአብርሃም እንታይ በሎ “ምእንተ እቶም ዓሠርተውን ኣየጥፍኣን እየ” በሎ። ዘፍ. 18፥32
        ኩሉ ጊዜ ሰብ ካብ ሰብ እዩ ዝመሃር። ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ታሪክ ነቲ ካሊእ ብዙሕ ትምህርቲ ዝህብ እዩ። ብፍላይ ድማ ዓለም ንዒቖም ናብ ገዳም ኣትዮም ዝነብሩ ቅዱሳን መናንያን ኣብ ህይወቶም ዘሕለፍዎ ተጋድሎ ኣብ ዓለም ንዝነብር ኩሉ ሰብ ዓብዪ ቤት ትምህርቲ እዩ። እሞ ኸ ዳኣ ካብ ህይወቶም ንምምሃር ዘሕለፍዎ መከራ ምንባብን ታሪኾም ምፍላጥን ድማ ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ ናይ ቅዱሳን ገድሊ ካብ ዝተወለድሉ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ዕርፍቶም ዘለዎም ታሪኾም ብሙልኡ ከም መስትያት ኮይኑ የርእየና። ቅዱሳን ጻድቃን መዓዝ ተወሊዶም? ኩሉ ገዲፎም ከመይ ኢሎም መኒኖም? ኣብ ኣገልግሎት ዘመኖም እንታይ ስራሕ ሰሪሖም? መዓዝን ኣበይ ቦታ ዓሪፎምን ወ.ዘ.ተ ንዝብሉ ሕቶታትን ሓሳባትን እናመለሰ ብግልፂ የረድአና።
        እግዚኣብሔር ንቅዱሳን ብህይወት ምሰልዎም ኢልና ኢዩ። ዕብ. 13፥7። እሞ ኸ ዳኣ ከምዝተባሃልናዮ ህይወትና ንናይ ቅዱሳት ህይወት ይመስል ’ዶ? ሓቂ ንዛረብ እንተተባሂሉ ናይ ህይወትና ኣርኣያን ኣብነትን እነገብሮም ካልኦት እዮም። ፍሉጣት ናይ ፊልሚ ተዋሳእቲ፣ ደረፍቲ ከምኡ’ውን ፍሉጣት ስፖርተኛታትን ዝመሳሰሉ እንትኾኑ ከምኣቶም ፍሉጥ /ግኑን/ ንምዃን ዓለም እትገብሮ ጉያ ሕጂ እንሪኦ ዘለና መገረሚ ተግባር እዩ። ሕፃን፣ መንእሰይ፣ ሽማግለ ከይተረፈ ናይዞም ፍሉጣት ዝተባሃሉ ሰባት ሽሞምን ታሪኾምን ምዝራብ /ምግላፅ/ ይኽእል እዩ። ኣብነት ግበርዎም ዝተባሃልናዮም ቅዱሳን ግና ሽሞምን ታሪኾምን ተዛረቡ /ግለፁ/ እንተንበሃል መብዛሕትና ምዝራብ /ምግላፅ/ ዘይምኽኣልና ድማ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። “ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ሮሜ. 12፥2
        ስለዚህ ቅዱሳን ጻድቃን እውን ክነኽብሮምን ናይ ጸጋ ስግደት ክንሰግደሎም ይግበኣና። ስለ ቅዱሳን ጻድቃን ክብርን ሥልጣንን መጽሐፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልፀልና “እቶም ኣመንቲ/ቅዱሳን/ ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም” 1ኛቆሮ. 6፥2። ስለዚህ ቅዱሳን ጻድቃን ምኽባር እምበር ምድፍፋር ኣየድልን “ነቶም ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊሮም ዚዛረብዎ ሰባትሲ ኣፎም ዕበሶም” መዝ. 31፥18። ክቡር መንበባይ! ናይ ቅዱሳን ጻድቃን በረከቶም ንምርካብ፤ ካብ ህይወቶም ተማሂርና ብርሃን ዝኾነ መንገዶም ንሰዓቦ። “መገዲ ጻድቃን ግና ኸም ብርሃን ወገግታ እያ” ምሳ. 4፥18
        ቅድስቲ ቤተክርስቲያን መሕደሪት እግዚኣብሔር እያ። ኩሉ ጊዜ ዓይኑን ልቡን ዘይፍለያ ዘለዓለማዊት መሕደሪቱ እያ። ጠቢቡ ንጉሥ ሰሎሞን ቤተ እግዚአብሔር ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ሰሪሑ ኣብ ዝፈፀመሉ ጊዜ “ነዛ ዝሠራሕካያ ቤተ መቕደስ ስመይ ክሳዕ ዘለዓለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን” ብማለት እግዚአብሔር ቃልኪዳን ኣትዩሉ እዩ። 1ኛነገ. 9፥3። ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ርእሳን ጉልላትን እዩ። ስለዝኾነ ብጥንቃቄ ክነኽብራን ክንሕልዋን ግዴታና እዩ። “ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተክርስቲያን ኣምላኽን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጳሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሓልው።” ሐዋ. 20፥28
        እቲ ትሑቱ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዕዳጋ ጌሮም ኣብ ዝተደፋፈሩ ጊዜ እንትቑጣዕ ኢና እንምልከት “ቤተይ ቤት ጸሎት ኪባሃል እዩ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፥ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርክምዎ በሎም” ማቴ. 21፥13። እዚ ከዓ ንቤተክርስቲያን ዘለዎ ዓቢዪ ኽብሪ እዩ ዘርእየና። ስለዝኾነ እውን ኩሉጊዜ ናብ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ምስ እግዚኣብሔር ብጸሎት ምዝርራብ ይግበኣና። “ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዕይንተይ ከኽፈታ፥ ኣእዛነይውን ጽን ኪብላ እየን” 2ኛዜና. 7፥15
        ካብዚ ብተወሳኺ መሕደሪ እግዚኣብሔር ዝኾነ ቅዱስ ታቦት እውን ክነኽብሮን ክንፈርሖን ይግባአና። ታቦት ኣብ ዝነግሠሉ ጊዜውን ብኽብርን ብፍርሓትን ክንዕጅቦ ይግበአና። “እቶም ካህናት ሌዋውያን ነታ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ፆይሮምዎ ምስ ራእኹም፥ ንስኻትኩም ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ሰዓብዎ” ኢያ. 3፥3። እወ! ከም ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ንታቦት ዓብዪ ክብሪ ሂብና ክነኽብሮ ይግበአና። “ሽዑ ኩሎም ሕዝቢ አስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሔር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታ ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን እናዓጀቡ ናብ ኢዮሩሳሌም ኣምጽእዎ” 1ኛዜና. 15፥28
        ቅዱስ ታቦትን ጽላትን ኩሉ ስራሕቲ እግዚአብሔር እዩ። “እተን ጽላት ድማ ስራሕ ኣምላኽ ነበራ” ዘጸ. 32፥16። ስራሕቲ እግዚኣብሔር ድማ ክነኽብሮን ክንፈርሖን ግቡእና ጥራሕ ዘይኮነስ ግዴታናውን እዩ። መሕደሪ እግዚኣብሔር ቅዱስ ታቦት ብፍርሓት ክንሰግደሉ ከም ዝግባእ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና፦ “ኢያሱን እቶም ዓበይቲ እስራአኤልን ድማ በኃዘን ክዳውንቶም ቀዲዶም፥ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስኒሶም፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሔር ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ” ኢያ. 7፥6
        ብሓፈሽኡ ንእግዚኣብሔርን ንኽሎም ቅዱሳንን ዝግቦኦም ክብሪ ክንህቦም ይግበአና። “ፍርሓት ንዝግበኦ ፍርሓት ክብሪ ንዝግበኦ ኽብሪ፥ ንኹሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።” ሮሜ. 13፥7። ስለዝኾነ እውን እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ናይ ኩሎም ክብሪ ክንፈልጥን ክንርእይን ብምግባር ዝተፋላለዩ ሰናይ ስራሕቲ /መንፈሳዊ ኣገልግሎት/ ዝመሓላለፈሉ መርበብ ሓበሬታ እዩ።
©     Aba Gebremedhn Zeselama 2009 E.c